SFI – ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት

ሓድሽ ሕግታት ኣብ ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት

ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2026 ዝጅምር ሓድሽ ሕጊ ኣብ ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት ተኣታትዮ ኣሎ። በዚ መሰረት ኩሉ ሰብ ናይ ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት ዝመሃር፡ ነዚ ቛንቛ ክመሃር ናይ 3 ዓመታት መሰለ ኣሎዎ። ነቶም ድሮ ኣብ ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት ዝመሃሩ ዝለዉ ተመሃሮ፡ መዝገብ ምጅማር ምቁጻር 3 ዓመታት ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2026 ይኸውን።

እዚ ሕጊ ዝተኣታተወሉ መኽንያት፡ ብዙሕ ሰብ ቛንቛ ሽወደን ብቕልጡፍ ብምምሃር፡ ተማሂሩ ድማ ናብ ስራሕ ወይ ውን ቀጻሊ ትምህርታት ክዋፈር እዩ። ስለዚ ድማ ኩኡ ተመሃራይ፡ ብንጥፈት ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ክሳተፉ ይግባእ።

ኣብ ገለ መኽንያታት እዚ ደረት ግዜ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘይበራሃሉ ሰብ እንተደኣ ሃልዩ፡ ምስ መማሃራን ወይ ወን ኣማኸርቲ ስርዓተ ትምህርቲ ክዘራረብ ይኽእል።

SFI-utbildning

መነ መን እዩም ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት ክመሃሩ ዝኽእሉ!

  • መሰረታዊ ኣፍልጦ ኣብ ቛንቛ ሽወደን ክምሃሩ ዝደልዩ።
  • ኣስራሒ ጽሕፋን ምዝርራብን ቛንቛ ብምምሃር ን ቀጻሊ ትምህርትን ስራሕን ክዋፈሩ ዝደልዩ
  • ኣብ ምምሕዳር ትይረሶ ምዝጉባትን ዕድሜኦም ልዕሊ 16 ዓመት ዝኾኑን።

ኣብ ክፍሊ ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት፡ ኣንቢብካ ይኹን ሰሚዕካ ምርዳእ፡ ምዝርራብን ምጽሓፍን ትለማመዱ/ዳ። ብተወሳኺ ስዋስው፡ ድምጽን ኣደማምጻን፡ መዝገብ ቃላት፡ ቅኑዕ ኣጸሓሕፋ ቃላትን ቅዲ ዝተፈላለዩ ዓይነተታ ጽሑፋትን ኣብ ምምሃር ትሰርሑ/ሓ።

ምኒስትሪ ትምህርቲ!

ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ትብቖ ብምጥዋቕ፡ ዝያዳ ተወሳኺ ሓበሬታ ምርካን ይካኣል።

Skolverket External link, opens in new window.

መዓልታዊ ክፍልታት፥

ኻብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ:

  • ተወሓደ 20 ሳዓታት ኣብ ሰሙን ነስተምህር (15 ኣብ ክፍሊ፥ 5 ኣብ ገዛ)።

ምሸታዊ ክፍልታት፥

  • ሰኑይን ሓሙስን፡ ተወሓደ 10 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ነስተምህር (5 ኣብ ክፍሊ፥ 5 ኣብ ገዛ)።

ናይ ርሑቕ ክፍልታት፥

  • ሰኑይን ሓሙስን፡ ተወሓደ 10 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ነስተምህር (5 ኣብ ክፍሊ፥ 5 ኣብ ገዛ)።

ደረጃታት ክፍሊ፥

  • ደረጃ ክፍሊ 1፡ ክፍልታት A, B, C ን D
  • ደረጃ ክፍሊ 2፡ ክፍልታት B, C ን D
  • ደረጃ ክፍሊ 3፡ ክፍልታት C ን D

ምምዳብ ኣብዚ ክፍልታት ብ ትምህርታዊ ድሕረ ባይታን ኣፍልጦ ቛንቛን ናይ ተመሃራይ/ሪት ይውሰን።

ምዝገባ ንተቐማጦ ምምሕዳር ትይረሶ፡

ብዝስዕብ ጥብቆ መርበብ ሓበሬታ ናይ SFI - ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት፡ ብምጥቃም ይኸውን።
Webb application SFI External link, opens in new window.

መርበባዊ መለለይ መንነት ወይ Bank-ID ተዘይብልኩም/ክን፡ ወይ ውን ተርጟሚ ምስ እትደልዩ/ያ ኣብዚ ዝቅጽል መራኸቢ ኣድራሻ ተመዝገቡ/ባ:

nyregistreringsfi@tyreso.se

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትይረሶ ተማሂርኩም/ን እንተድኣኔኩም/ክን ወይ ውን ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም/ን በዚ:

studiersfi@tyreso.se

ነቶም/ነተን ኣብ ካልእ ምምሕዳራት እትነብሩ/እትነብራ

ካብ ትይረሶ ወጺእኹም/ን ንምምሃር፡ ፍቃድ ካብ ምምሕዳርኩም/ን ክህሉ የድሊ።
ነዚ ንምግባር ድማ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ብምምዝጋብ ነቲ ፎልም ናብ ምምሕዳርኩም/ን ብምልኣኽ፡ ፍቃድ ምምሕዳርኩም/ክን ትሓቱ/ታ።

Application for SFI pdf, 202.8 kB, opens in new window.

ንነበርቲ ትይረሶ እሞ ኣብ ካልእ ምምሕዳር ክመሃሩ ንዝደልዩ፡

ዝቅጽል ጥብቆ መርበብ ሓበሬታ ናይ SFI፡ ኣብ ሓድሽ ገጽ ንኽፈቶ፥ ኣብዚ፡ ናይቲ ክትመሃርሉ/ራሉ እትደልዩ/ያ ምምሕዳር መመልከቲ ፎርም የድሊ። ነዚ ምስ መሰነይታ ወረቅት (ስለምንታይ ኣብ ካልእ ምምሕዳር ክትመሃሪ ደሊኽም ዝድገፍ፡ ንኣብነት ናይ ኣስራሒ) ናብ ቤት ትምህርቲ C3L ልኣኽዎ/ልኣኸኦ። መራኸቢ ኣድራሻ C3L ፥

E-mail: ike@tyreso.se


ናይ ርሑቕ ክፍሊ SFI

እዚ ነቶም/ነተን ኣብ ቦታ ቤት ትምህርቲ ብምምጻእ ክማሓሩ/ራ ዘይክእሉ/ላ ዝጥዕም እዩ። ኣብዚ ናይ ርሑቅ ክፍሊ ንምስታፍ እዚ ዝስዕም ክማላእ የድሊ፡

  • ኮምፒዮተርን ፍልጠት ኣጠቃቅማ ኮሞፒዩተርን
  • ብውሕዱ10 ናይ ምምሃር ሳዓታት ኣብ ሰሙን
  • ንሓደሽቲ ጀመርቲ፡ ምዝርራብ ብቛንቛ ኢንግሊዘኛ

ኣብዚ ናይ ርሑቅ ክፍሊ፡ ሰሙናዊ መደብን ዕዮን ይወሃብ እሞ፡ ተመሃራይ/ት ባዕሉ/ላ ንኹሉ መደባት ብግቡእ ምስዓብን ምትግባርን ይሓትት። ብተወሳኺ ውን ንጡፍ ተሳታፍነት የድሊ።

ኣብዚ ናይ ርሑቅ ክፍሊ ንምምዝጋብ፥ ወይ ውንተርጟሚ ዘድሊ እንተደኣኾይኑ ኣብዚ:

nyregistreringsfi@tyreso.se

ኣብ SFI - ቛንቛ ሽወደን ንወጻእተኛታት ክትጅምሩ ምስ እትደልዩ ወይ ሕቶታት ተለኩም ፡

studiersfi@tyreso.se

ሓገዝ ንምምሃር፡

ኣብዚ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ CSN የሎን።

ምስክር ብቕዓት፡

እዚ ምስክር ብቅዓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ክፍሊ ይወሃብ ፡ ኣብ A, B, C ን D

ኽንደይ ክፍሊት ይሓትት፡

እዚ መደብ ትምህርቲ ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ። መምሃሪ መጽሓፍት ብለቛሕ ይወሃብ፡ ኣብ ምወዳእታ ክፍሊ ትምህርቲ ድማ እዚ ንብረት ንቤት ትምህርቲ ምስ ዘይምለስ፡ መተካእትኡ ክፍሊት ምኽፋል የገድድ።

ነቶም ድሮ ኣብ ናይ ሞያ ትምህርቲ ዘለኹም /ዘለኽን

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብምኽፋት ተወሳኺ ሓበሬታ ምርካብ ይካኣል።

SFX programmes External link.

ነቶም ካብ ሃገሮም ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ወይ ናይ ዩኒቨርስትይ ትምህርቲ ዘለኹም /ዘለኽን እሞ፡ ናብ ናይ ሽወደን ብቕዓት ደረጅ ንምቕያሩ (ንምትርጟሙ) ምስ እትደልዩ/ደልያ፡ ነዚ ዝስዕብ ጥብቆ ናይ መርበብ ሓበሬታ ፡

Assessment of foreign qualifications External link, opens in new window.

ብምኽፋት ተወሳኺ ሓበሬታ ምርካብ ይካኣል።

Hjälpte informationen på den här sidan dig?
Last updated: 15 January 2026